➮ ምርግጋጽ ሰነዳት
➮ ምምስራት ውክልና
➮ ህላወ ምስክርነት
➮ ኩነታት ሓዳር ምርግጋጽ
➮ ምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ሰነዳት
ንዝኾነ ኣገልግሎት ቆጸራ ንምሓዝ ብኦንላይን ኣብ ታሕቲ „ኣገልግሎት ብመገዲ ኢንተርነት (ኦንላይን)“ ትብል ምስ ጠወቕኩም ኣብ በርሊን (Berlin-Germany) ዝብል ብምእታው ቆጽራ ክትሕዙ ከምእትኽእሉ ንሕብር። ንመጀመርታ ግዜ ነዚ ኣገልግሎት ኦን-ላይን ክንጥቀሙ እንተኾይንኩም ኣብቲ ኣብ „መዝገብ ተገልገልቲ“ ዝብል ብምእታው ክትምዝገቡ ይግባእ።
⇓⇓⇓
ንዝኾነ ኣገልግሎት ቆጸራ ንምሓዝ ብኦንላይን ኣብ ታሕቲ „ኣገልግሎት ብመገዲ ኢንተርነት (ኦንላይን) Online-Registrierung
መእተዊ
ንጽፈትን ስሉጥ ኣገልግሎትን ብኦን-ላይን ምዝገባ ከም ኣማራጺ ተወሲዱ ካብ ዕለት 20.01.2025 ጀሚሩ ክስርሓሉ ኢዩ። ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ኤምባሲ ማለት Botschafte-Eritrea.de ተመልከቱ። ኣብኡ ምስ ኣተኹም Online-Regestrierung ጠውቑ።
ነፍስ-ወከፍ ዝሕተት ነናቱ ፍሉይ መረጋገጺ ከምዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሰፊሩ ኣሎ)፡ ንኹሉ ዝጥርንፍ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ፡ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት ቅድሚ መሕትት ወይ መመልከቲ ምምላእና ኣብ ኮምፒተርኩም ክጻዓና ይግባእ። ኣብቲ ዝሕተታሉ ኸኣ ኣብ ቦተአን ይስኮዓ። ማለት upload ንገብረን።
- መንነት ካርድ ኤርትራ
- መንነት ካርድ ኤርትራ ዘይብልና ምስ ዝኸውን ቅዳሕ መንነት ካርድ ናይ ኣቦን ኣደን
- ፓስፖርት (እንተሎ)
- መንበሪ ፍቓድ ኣብ ጀርመን
- ስእሊ እውን ኣብ ግዜ ምምዝጋብ ክትጽዕንዎ ኣኽእሎ ኣሎ። እንተዘይተኻኢሉ ግን ኣብ ቤት-ጽሕፈት ብቆጽራኹም መሰረት ክትመጽኡ ከለኹም ተማሊእኹሞ ምጽኡ። ምምጻእ ዘየድልዮ ኣገልግሎት ምስ ዝኸውን ግን ነቲ ስእሊ ዘድልዮ መመልከቲ፡ ክትምዝገቡ ከለኹም ነቲ ስእሊ ኣብ ቦታኡ ጸዓንዎ።
- ክፍሊት ከም ዝተገብረ ዘረጋጋጽ ሰነድ ባንክ
ንክፍሊት ዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ Botschaft-Eritrea.de ተመልከት። ኮይኑ ግን ኣብ ነፍስ-ወከፍ መወዳእታ ናይ መመልከቲ ማለት Application / Antrag ክፍሊት ክንደይ ከምዝኾነ ሓበሬታ ይወሃብ ኢዩ። ናይ ብባንክ ከም ዝተመሓላለፈ ዘረጋግጽ ሰነድ (Überweisung) ኣብ ቦትኡ ከም ጥብቆ ኣብቲ መመዝገቢ ተእትውዎ።
ጉድለት ዘለዎ ምዝገባ ኣገልግሎት ኣይክረክብን ኢዩ። ስለዚ ከየጉደልኩም፡ ኣጻፊፍኩም ዝሕተት ምስ ኣማላእኹም ጥራሕ ኦን-ላይን ምዝገባ ክትገብሩ ነዘኻኽር።
ኣብ ኤምባሲ በርሊን ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሰሜን ጀርመን፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን፡ ሰሜናዊ ምዕራብ ጀርመን ገለ ክፋላት ኣብ ምዕራባዊ ክፋልን ሰሜን ካብ ማእከልን ዘለዉ ዜጋታት ጥራሕ ኢዮም። ካብዚ ወጻኢ ዝነብሩ ኣብ ኤምባሲ በርሊን መመልከቲ ከቕርቡ ወይ ኣብዚ ኦን-ላይን መመዝገቢ ክምዝገቡ ፍቑድ ኣይኮነን። ከምዚ ምስ ዘጋጥም ተገልገልቲ ኣገልግሎት ኣይክወሃቡን ኢዮም።
ምስዚ ብምትእስሳር ካብ ዕለት 20.01.2026 ጀሚሩ ብዘይ ቆጸራ ንዝኾነ ሰብ ኣገልግሎት ከምዘይንህብ ብትሕትና ነፍልጥ!!
ንጽፈትን ስሉጥ ኣገልግሎትን ብኦን-ላይን ምዝገባ ከም ኣማራጺ ተወሲዱ ክስርሓሉ ኢዩ። ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። ነፍስ-ወከፍ ዝሕተት ነናቱ ፍሉይ መረጋገጺ ከምዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ (ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሰፊሩ ኣሎ)፡ ንኩሉ ዝጥርንፍ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ፡ እዘን ዝስዕባ ሰነዳት ቅድሚ መሕትት ወይ መመልከቲ ምምላእና ኣብ ኮምፒተርኩም ክጻዓን ይግባእ። ኣብቲ ዝሕተታሉ ኸኣ ኣብ ቦተአን ይስኮዓ። ማለት upload ንገብረን።
ዝኾነ ኣገልግሎት ዝሓትት ሰብ መመልከቲ ብመንገዲ ኦን-ላይን ከቕርብ ኣለዎ። Online-Registrierung
Botschaft des Staates Eritrea
Stavangerstraße 18
10439 Berlin
ኤርትራዊ ወረቐት መንነት
ሓድሽ ኤርትራዊ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት፦
መተካእታ ወረቐት መንነት
መንነት እንተድኣ ጠፊኡ ተበላሽዩ ወይ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዝወሃብ ዘሎ መንነት ወረቐት ንምትካእ ፡ መሕተት መተካእታ ወረቐት መንነት ይምላእ። መተካእታ ወረቐት መንነት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም፥-
መአረምታ ኣብ መንነት ወረቐት
መአረምታ መንነት ወረቐት (ስም፡ዕለተ ልደት፡ ወይ ቦታ ልደት) ዝምልከት ብቤት ፍርዲ ምስ ተወሰነን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብቆንስላዊ ጉዳያት ምስተረጋገጸን ጥራይ እዩ ዝፍጸም።
ዝጠፍአ መንነት ወረቐት
መንነት ወረቐት ምስ ዝጠፍእ፡ ነዚ ፎርም መሕትት ክምላእ ይግባእ። እዚ ከይተመለአ ናይ ምትካእ መስርሕ ኣይጅመርን ኢዩ።
ፓስፖርት
ሓድሽ ኤርትራዊ ፓስፖርት ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ላሲ ፓስ
ላሲ ፓስ ዝሓቱ ዜጋታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
ቪዛ
ኤርትራዊ መንነት ወረቐት ዘይሓዘ ንኤርትራ መእተዊ ቪዛ ክሓትት ግድን ኮይኑ እዚ ዝስዕብ ነጥብታት ከኣ ክማላእ ይግባእ።
ቁጽሪ ሕሳብ ባንክ
ዝተፈላለዩ ሰነዳት
ምርግጋጽ ሰነዳት ከም ሰነድ ኩነታት ሓዳር፡ ሰነድ ትምህርቲ፡ ዕለተ ልደትን ካልእን ዘጠቓልል፥-